top of page

መጽሓፍ ዑቝባይ (ፊቛት)፥ ንትኅዝቶ እዛ መጽሓፍ ዝምልከት ዕሙቝ ዝበለ መግለጺ ኣብ ናይ ዩ-ትዩብ መስመርና ኣሎ። እዛ መጽሓፍ ንቈልዑን ዓበይትን እትሰማማዕ መጽሓፍ ፊደላት እያ። እዛ መጽሓፍ ንመብዛሕትኦም ፊደላት ቋንቋ ትግርኛ ብስእሊ ኣሠንያ ዘቕረበት ፍልይቲ መጽሓፍ ስለዝኾነት፤ ንኹሉ እንዳ ኣዛነየት ቋንቋ ኣደ ብቐሊል ኣገባብ እትምህር ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ዝተፈላለዩ ጠባያት ዘለዎም ባህርታት ሒዛ ቀሪባ ስለዘላ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ መቐረት ወሲኻትሉ ኣላ። ልዕሊ ኩሉ ፍልይትን ተጠላቢትን ዝገብራ ከኣ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ቋንቋ ትግርኛ ትምህር ምዃና እዩ።


• ምሩጽ ካብ ሃሪ ዝተሠርሐ ወረቐት፥ ነፍሲ-ወከፍ ገጽ እዛ መጽሓፍ ንምድህሳሱ ደስ ዘብል እዩ። ስለዚ ካብ ገጽ ናብ ገጽ ክትግንጽል ከለኻ ደስ እንዳ በለካ ኢኻ ትግንጽል። ንነኣሽቱ ኣእዳው ከኣ እሞ ኣዝዩ ሰለል ዝበለ ስምዒት ዝፈጥር እዩ።


• ብድሙቕ ሕብርታት ዝወቀበ ኣሳእል፥  ኣብዛ መጽሓፍ ዘለዉ ኣሳእል ወይ ንመረዳእታ ዝቐረቡ መግለጺታት ደሚቆም እዮም ዝረኣዩ። እዚ ከኣ ብመገዲ ድሙቓትን ንምርኣዮም ደስ ዘብሉን ብጽቡቕ ሕብርታት ወቂቦም ኣብ ናይ ሃሪ ወረቐት ዝተወቀጡ ኣሳእል ንሕፃናት ማሪኾም፤ ባህሊ ሕብረተሰቦም ከም ዝወርሱ ይገብሩ።


• ቀጻልነት ዘለዎ ማራኺ ጽባቐ ገበር፥ ናይ ቆልዑ ብህሪ ክጻወር ዝኽእልን ተደሪዙ ዝጸርን ገበር ወይ ሽፋን ስለዘለዎ ዋላ ድሕሪ ብዙኅ ንባብ ከይተበላሸወ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።


• ባህላዊ ሃፍቲ: ብቐሊል ናይ ፊደላት፥ ቃላትን ዛንታታትን ትምህርቲ፤ እቶም ቈልዑ ቋንቋ ኣዲኦምን ናብ ወለዶ ዝኃልፍ ባህሎም ይወርሱ። 

እዛ መጽሓፍ ካብ ናይ ፊደላት ትምህርቲ ኃሊፋ፤ ዑቝባ ናይ ፊደላትን ቋንቋ ትግርኛን እውን እያ። 

ምናልባት ምግናን ደኣ ከይመስል እምበር፤ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክትህሉ ዘለዋ ሃፍታም ውርሻ እያ።

 

መጽሓፍ ዑቝባይ

Rating is 5.0 out of five stars based on 2 reviews
£16.99Price

Spend More, Get More

Quantity
  • Important VAT & Customs information

    Customers placing orders from outside the United Kingdom may be required to pay local VAT, customs duties, or import charges as determined by their country’s customs authority. These fees are not included in our product prices or shipping costs.

    Please note that couriers will not deliver your parcel to your address until all applicable charges have been paid. If these fees remain unpaid, your order may be delayed, returned to us, or held by customs.

    We recommend checking your country’s import rules before placing an order to ensure a smooth delivery experience.

Reviews

Rated 5 out of 5 stars.
Based on 2 reviews
2 reviews
  • tsige girmatsionJan 07
    Rated 5 out of 5 stars.
    Verified
    ለበዋ

    እዛ መጽሓፍ ሓንቲ ካብተን ነዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ሽግር ኮይንዎ ዘሎ ናይ ደቁ ምምሃር ናይ ትግርኛ ዓቢ ኣስተዋጾኦ ከምእትገብር ኮይና ተዳልያ ሰለ ዘላ ኩሉ ወላዲ ክውንናን በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣጠቓቕማ ክጥቕመላን ኣለዎ።

    Was this helpful?
    Gelgelemesqel/ገልገለመስቀል
    Jan 07

    እዚ ናትካ ርእይቶ ኣብ ሥራሕና ይኹን ኣብ ብሉጽነትን ዓይነትን ንቕርቦም ንብረታና ብጣዕሚ ስለዝሕግዘና ካብ ልቢ ኢና ነመስግነካ። የቐንየልና።

  • ንሕፃናት ንዓበይትን እትኸውን መጽሓፍDec 25, 2025
    Rated 5 out of 5 stars.
    Azamit

    ኵሉ ክጥቀመላ ዘለዎ፣ ብጣዕሚ ጽብቕቲ መጽሓፍ።

    ኣብ ደገ ተውሊዶም ንዝዓብዩ ዘለዉ ህጻናት እትኸውን ፍልይቲ መጽሓፍ እያ። ዝነኣድ ሥራሕ።

    Was this helpful?
  • bottom of page